ከም ትጽቢተይ ኣረኸብክዎን
መጀመርያ ናይ ትግርኛ ፕሮግራም ምስራሕኩም ከመስግነኩም ይደሊ። ፐሮግራም ክትሰርሕ ቀሊል ከምዘይኰነ ይርደኣኒ እዩ። እቲ ኪኦርድ ተዓጻጻፈነት የብሉን፡ ናይ ሓደ ፍዴል ግእዝ፣ ካዕብ፣ ሳልስ፣ ራብዕ . . . ወዘተ እንተ ደሊኻ ጠዊቕካ ሒዝካ ሃሰስ ክትብል ኣለካ። እዚ ድማ ግዜ ዝሓትትን ኣሰልካይን ኰይኑ ረኺበዮ። ምናልባት Geezime ዓይነት ኣሰራርሓ እንተ ዝህልዎ ውጺኢታዊ ምዀነ ነይሩ ምበልኩ።